ዓቐበት ቍልዕነትን ኵትትናን
Hdri Publishing
ISBN13:
9789994801794
$31.02
ነዚ ብጽሑፍ ከስፍር ዝደረኸኒ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ገዛእ ርእሲ ምጽሓፍ ከም ነውሪ ወይ ጃህራ ስለ ዚርአ፣ ብፍላይ እቶም ኪጽሕፉ ኽእለት ዘሎዎም ኣያታትና ወይ ዓቕሚ ዝነበሮም ኣቦታትና፣ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፉዎ ናብራ ምስ ገድሊ፣ ፖለቲካ ወይ ጅግንነትን ቅያን ማእሰርትን ዘይተተሓሓዘ ምስ ዚኸውን፤ "ነዚ ደኣ እንታይ ብጽሑፍ ከስፍረሉ፣" ብዚብል ዓሻ ኒሕ፣ ብዛዕባ እቲ ተራ ዚመስል ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕለታዊ ህይወቶም ኣብ ወረቐት ኣስፊሮም ዝገደፉልና ትውፊት ዳርጋ የለን እንተ በልኩ ኣየጋነንኩን። ኩሉ ወዲ ሰብ ዜሕልፎ ናብራ፣ ብዝተወሰነ ደረጃን ኣጠማምታን ኣገዳስነት ኣሎዎ። ንኣብነት ቅድሚ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት፣ ናይ ሓደ ተራ ኤርትራዊ ዕለታዊ ህይወት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ኣይምደለናንዶ፧ ኣተሓሳስባኡ፣ ኣጠማምታኡ፣ እምነቱ፣ ማሪቱ፣ ምስዚ ናይ ሕጂ ምንጽጻሩኸ ኣይምጠቐመንዶ፧ ምግቡ፣ መሳትዮኡ፣ መዳቕሶኡ፣ ክዳኑን ግርባቡን፣ መዕቈቢኡ ኸመይ ይመስል ከም ዝነበረ ምጥላልከ ኣይምመ'ሰጠንዶ፧ ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ቐደም፣ ብፍላይ ባዕላትና ንዝተመከርናሉ እዋን አዘንቢዖም ኬዘንትዉዎን ኬዕልሉሉን ይስማዕ እዩ። ዓገብ ኪብሃሉ ዚክኣል ኣይኮነን። ከመይሲ፣ ብጽሑፍ ዝሰፈረ መርትዖ ስለ ዘየለ። እንተ ዚህሉ ግና ነቲ እንተስ ብግርህነት፣ እንተስ ሰኣን ኣፍልጦ፣ እንተስ ብተንኰል ዝተማህዘ ሓሶት መረን ምኾነ። ህይወት ናይዚ ጸሓፊ'ዚ እምበኣር፣ ብመስተንክር ቅያን፣ ልቢ ብዜንጠልጥል ብርቂ ዛንታን ዘንቈጥቈጠ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ሸነኹ፣ ካብቶም ናይ መተዓብይቱ ኣመና ዘይፍለ፣ ግና መብዛሕትኦም፣ አረ'ውን ዳርጋ ዅላቶም ዝተመከርዎ ምቕሉል ናብራ እዩ። ኣንቢብኩም ክትዘናግዑሉን ክትምሃሩሉን ክትዓግቡሉን ተስፋ እገብር። ንኣቶ ዘምህረት ዮሃንስ፣ በቲ ወትሩ ኸይተሓለለ ንኽጽሕፍ ዜተባብዓንን ፍናን ዚህበንን፣ ንኡ ዘ
- | Author: Nayb Ermias
- | Publisher: Hdri Publishing
- | Publication Date: Dec 01, 2024
- | Number of Pages: 354 pages
- | Binding: Paperback or Softback
- | ISBN-10: 9994801791
- | ISBN-13: 9789994801794
- Author:
- Nayb Ermias
- Publisher:
- Hdri Publishing
- Publication Date:
- Dec 01, 2024
- Number of pages:
- 354 pages
- Binding:
- Paperback or Softback
- ISBN-10:
- 9994801791
- ISBN-13:
- 9789994801794